Interkulturelles Fest 2023

ሐጂ እዩ ግዚኡ! ፈስቲቫል ኣብ መንጎ ባህልታት ስቴግሊትዝ-ዘህለንዶርፍ ሎሚ ዓመት ዳግማይ ኣብ ትሕቲ “ብሓባር ኣብ ብዙሕነት” ብዝብል ጭርሖ ክካየድ እዩ።

ዕለት፡ ዓርቢ 22 መስከረም 2023፡ ካብ ሰዓት 3፡00 ድ.ቀ ክሳብ ሰዓት 6፡30 ድ.ቀ
ቦታ፡ ሄርማን-ኤህለርስ-ፕላትዝ (S+U Rathaus Steglitz)

ኣብ ስቴግሊትዝ-ዘህለንዶርፍ ሕብራዊ በዓል ከነብዕልን ንብዙሕነት ኣብነት ክንከውንን ብሃንቀውታ ንጽበ!
“ዕዳጋ ዕድላት” ኣብቲ ኣውራጃ ብዛዕባ ዝቐርቡ ቅድመ-ምድላዋት፡ ተዋሳእትን ርክብ ነጥብታትን ሓበሬታ ይህብ። እቲ ናይ መድረኽ መደብ ብዝተፈላለዩ ስነጥበባውያን ዝተዳለወ እዩ – ባህላዊ ብዙሕነት ካብ ሙዚቃ ክሳብ ሳዕስዒት፣ ንዓበይትን ንኣሽቱን ሰባት። ኣብ ዝተፈላለዩ መደበራት ዝተፈላለዩ ምቁር መግብታትን ክህልዉ እዮም። ጸወታን ምዝንጋዕን – ብፍላይ ንህጻናት – ንኽሳተፉ ኲይዝን (quiz)ብዙሕ ንጥፈታትን ሒዞም ይምጹኡ።
ብዙሕ ርክባትን ዕድላትን ክንፋለጥ ብሃንቀውታ ንጽበ።ብደሐን ምጹ !! እቲ ናይ ውህደት መምርሒታት ጉጅለ፡ ኣብቲ ቦታ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ክድግፍኩም ክሕግዙኩምን እዩም።”

Bezirksbeauftragte für Partizipation und Integration

Postanschrift:
Bezirksamt Steglitz-Zehlendorf
14160 Berlin

Verkehrsanbindungen